ፍቕድታትን ኩነታትን
ኣብ ካንቶን ኣርጋው ልዕሊ 700'000 ነበርቲ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ዳርጋ ርብዒ ናይ ወጻኢ ሃገር መበቖል ዘለዎም ኢዮም። እዛ 1404 ትርቢዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታካንቶን 11 ወረዳታትን (Bezirke) ልዕሊ 200 ምምሕዳር ከባቢታትን ( Gemeinden) ተጠቓልል። ዋና ከተማ ናይ ካንቶን ኣርጋው: ኣራው ኢያ። ናይ መንግስቲ ቛንቛ: ቛንቛ ጀርመን ኢዩ። እዛ ካንቶን ብብዙሓት ርእሰን ዝኸኣላ ዞባታት ናይ ገዛእ ርእሰን ርእሰ ከተማ ዘለወን ትቐውም። እተን ቀንዲ ካብዚኣተን: ኣራው: ባደን: ብሩግ: ዎህለን: ብረምጋርተን:ዞፊንገንን ራይንፌልደንን እየን። ነብሲ ወከፈ ዞባ ብኣቓውማ መሬት: ብባህሊን ቁጠባን ይፈላለያ።