መሰል መንበሪ

እቶም ብዘቤታዊ ዓመጽ ዝተጠቕዑ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምፍልላይ እንተጋጢሙ ናይ መንበሪ መሰሎም ከይስእኑ ይፈርሑ። ካብ ማእከል ምኽሪ ሓበሬታ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ምኽሪ ንመሰል መንበሪኻ ኣብ ድንገት ዘእቱ ኣይኮነን!

ንክትፈልጦ ኣገዳሲ

መሰል መንበሪኻ ብመውስቦ ኣብ ስዊዘርላንድ (ምጥርናፍ ስድራቤት) እንተረኺብካን ዘቤታዊ ዓመጽ እንተ ኣጋጢሙካን፡ ከከም ኩነታቱ ድሕሪ ምፍልላይ እውን ኣብ ስዊዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።

ካብቲ ናይ ሓዳር ገዛ ወጻኢ ንግዚኡ ምጽናሕ (ንኣብነት ኣብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ኣብ ኣፓርታማ ዓርክኻ) መንበሪ ፍቓድካ ክትስእን ኣየስዕብን እዩ።

ምፍልላይ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ዝፍጠር ሕጋዊ ኩነታት ዝተሓላለኸን ኩሉ ኩነታት ዝተፈላለየ ስለዝኾነን ምኽሪ ክሕግዘካ እዩ።

እቲ ዓመጽ ዘጋጠመ ፍጻመታት መርትዖታት ክህሉ ኣገዳሲ እዩ። እዞም ዝስዕቡ ንመክር፤

  • ኣብ ዋትስኣፕ፡ ፌስቡክ ወዘተ ዝበጽሓካ መጉዳእቲ፡ ስክሪንሾት ናይ ምፍርራሕ ወይ ጸርፊ ውሰድ።
  • ነቲ መርትዖ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐምጦ። ንኣብነት ምስ ዓርኪ ወይ ኣብ ስራሕ።
  • ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ውሑዳት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ኣፍልጦም፣ ንኣብነት ካብ ዓንኬል ኣዕሩኽትኻ፣ ካብ ስራሕ፣ ኣብ ከባቢ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝመጸ ሰብ።

ሓገዝ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ድሕሪ ምፍልላይ ብዛዕባ መሰል መንበሪ ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ኣብዚ ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤

ምኽሪ ግዳይ Aargau, 062 835 47 90 ወይ ቼት, www.opferberatung-ag.ch
ሓደ ክኢላ ህሉው ሕጋዊ ኩነታት ክገልጸልካን ኣብ ዝቕጽል ስጉምትታትካ ክድግፈካን እዩ። እቲ ምምኽኻር ብነጻን ምስጢራዊን እዩ። ምስ ትርጉም ይከኣል እዩ።