ሓገዝ ንዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት

ዝኾነ ብኣካል ይኹን ብኣእምሮ ዝተጎድአ ሰብ ሓላፍነት ወሲዱ ሓገዝ ክረክብ ኣለዎ። ኣብ ምኽሪ ባህርያትካ ክትቅይር ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።

ክትፈልጦ ኣገዳሲ እዩ።

ቁጽጽር ስኢንካ ክትጭድር፡ ነቲ ካልእ ሰብ ክትሃርሞ ወይ ከተፈራርሖ ትፈርሕ ዲኻ? ሓድሓደ ግዜ ብሕርቃንካ እንታይ ከም እትገብር ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ትብዓት ኣርኢ እሞ ሓገዝ ረኸብ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዓመጽ ክልኩል ኮይኑ ይቕጻዕ።

ሓገዝ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

መደብ ትምህርቲ ኣንጻር ዘቤታዊ ዓመጽ, 062 550 20 20, www.ahg-aargau.ch
ኣብቲ ናይ ትምህርቲ መደብ፡ ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት፡ ግርጭታት ብዘይ ዓመጽ ብኸመይ ከም ዝፈትሑ መምርሒ ይወሃቦም። እቲ ቅድመ-ምድላው ብጉጅለ ዝካየድ ኮይኑ፡ ን18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት ዝዓለመ እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ኣጋጣሚታት ነቲ ናይ ትምህርቲ መደብ ብውልቂ ምዝዛም ይከኣል እዩ። ኣድላዪ እንተኾይኑ ናይ ተርጓሚ ኣገልግሎት ክጽዋዕ ይከኣል።


ቴለፎን 143 – እታ ዝቐረበት ኢድ (Die Dargebotene Hand), 143 (24h), ናይ ትግርኛ መስመር ቴሌፎን 0800 143 000, www.143.ch
ብቕልጡፍ ክትዛረበሉ እትኽእል ሰብ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ ቴለፎን 143 – Die Dargebotene Hand ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ኩሉ ግዜ ሰብ ኣሎ። ዋላ ብለይቲ። እቲ ቅድመ-ምድላው ስመ-ስውር እዩ።

ዓመጽ ፍታሕ ኣይኮነን – ፈጺሙ።