ህጻናትን መንእሰያትን

ኣብ ገዛ ዓመጽ ዘጋጥሞም ህጻናትን መንእሰያትን ሓገዝ የድልዮም። ካብ ዓመጽ ነጻ ዝኾነ ህይወት ክትረክብ መሰል ኣለካ።

ንክትፈልጦ ኣገዳሲ

ህጻናትን መንእሰያትን ዘቤታዊ ዓመጽ ምስ ዘጋጥሞም እዚ ንዕብየቶም ብኣሉታ ይጸልዎ። እዚ ዋላ እቲ ዓመጽ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን መንእሰያትን እንተዘይተቐንዐ እውን ሓቂ እዩ። ገሊኦም ስቕ ኢሎም ይሳቐዩ፡ ገሊኦም ድማ ዝተፈላለየ ምልክታት የርእዩ። ንኣብነት: ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸገማት: ኣብ ዓራት ምጥሓል: ሕማም ርእሲ: ጸገም ኣመጋግባ ወይ ድቃስ: ምስ መዛኑ ኣብ ምትሕሓዝ ጸገም ወይ ምጥቃዕ።

ቈልዑን መንእሰያትን ኣበይ ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

ኣብ ገዛ ዓመጽ ዘጋጥሞም ህጻናትን መንእሰያትን ካብ ስድራቤት ወጻኢ ምስ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባኡ ክዛረቡ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ መምህራን፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ፡ ኣለይቲ ተማሃሮ፡ ወለዲ ኣዕሩኽ ወይ ጎረባብቲ።

እዞም ዝስዕቡ ኣብያተ ጽሕፈት ንህጻናት፣ መንእሰያትን ኣለይቶምን ይመኽሩ፤


  • ስፔሻሊስት ጉጅለ ኣንጻር ዘቤታዊ ዓመጽ ካብ ኣገልግሎት ስነ-ልቦና ቤት ትምህርቲ, 062 835 41 19, www.ag.ch/schulpsychologie
  • ካብ ክልተ ካንቶናዊ ሆስፒታላት ዝመጹ ጉጅለታት ሓለዋ ህጻናት, Aarau: 062 838 56 16, Baden 056 486 37 05
  • ask! – ኣገልግሎት ስነ-ልቦና መንእሰያት (ካብ 16 ዓመት), Aarau und Baden, 062 832 64 40 oder online, www.beratungsdienste.ch/jpd
  • ማእከላት ምኽሪ መንእሰያት፡ ሓዳርን ስድራቤትን, ዝርዝር ስራሕቲ ብኣውራጃ ኣብ ታሕቲ www.jefb.ch
  • Pro Juventute, 147 (24h), www.147.ch
    ንPro Juventute [ፕሮ ጁቬንቱት] 24 ሰዓታት ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ክኢላ ብዛዕባ እቲ ዕላል ንዝኾነ ሰብ ኣይነግርን እዩ። ንሳ ነቲ ፍታሕ ንምድላይ ትሰምዕን ትድግፍን እያ። ንPro Juventute ምድዋል ብነጻ እዩ። ዝኾነ ስም ምጥቃስ ኣየድልን። Pro Juventute ብኤስኤምኤስ፣ ቻት ወይ ኢመይል እውን ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።