ምድጓን (Stalking)

ምድጓን ሓደ ዓይነት ዓመጽ ኮይኑ ኣዝዩ ጸቕጢ ዝፈጥር እዩ። ብዛዕባኡ ምዝራብን ምኽሪ ምርካብን ኣገዳሲ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ብኣግኡ ሓገዝ ውሰድ!

ስቶኪንግ [Stalking] እንታይ እዩ?

ኣብ ዝምድና፡ ምድጓን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ምፍልላይ ወይ ድሕሪ ምፍልላይ እዩ ዝፍጸም። ስቶከርስ ካብ ቀረባ ከባቢ እውን ክመጹ ይኽእሉ እዮም፣ ከም ኣዕሩኽን ፈለጥትን፣ ከባቢ ወይ ሞያ።

ምድጓን ብዙሕ ገጻት ኣለዎ። ኣብነታት ድማ፡ ብቐጻሊ ምድቃስ፡ ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ስራሕ ምክትታልን ምስዓብን፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናይ መዓልቲ ይኹን ለይቲ ተደጋጋሚ ርክብ፡ ዘይተደልየ ህያባት ምልኣኽ፡ ናብ ገዛ ሰቢርካ ሰሊኻ ምእታው። መብዛሕትኡ ግዜ ምድጓን ብኢንተርነት እዩ ዝፍጸም። ስቶከርስ ኢንስታግራም፣ ቲክቶክ፣ ስናፕቻት፣ ኢመይል፣ ጂፒኤስ ሲስተም ወዘተ ይጥቀሙ።

መን እዩ ዝጽሎ?

ምድጓን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ህይወት ዝኽሰት ኮይኑ ንዝኾነ ሰብ ክጸልዎ ይኽእል። ኣብ ርክብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምድጓን ኣብ እዋን ምፍልላይ እዩ ዝፍጸም። ብዙሓት ካብቶም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኣዝዮም ዝተጎድኡን ብቐጻሊ ጸቕጢ ዝሳቐዩን እዮም።

ንክትፈልጦ ኣገዳሲ

ኣብ ስዊዘርላንድ ምድጓን ክልኩል ኮይኑ ይቕጻዕ።

ኣብ ታሕቲ ገለ ለበዋታት ነቶም ዝተጠቕዑ

  • ኣብ ዘይተደልየ ርክብ ወይ ምድጓን ኣብ ዝመጽእሉ እዋን ብኣግኡ ቅኑዕ ዶባት ስኣል።
  • ነቲ ዝስዕበካ ሰብ ዝኾነ ርክብ ከም ዘይትደሊ ብንጹርን ብዘይ ምግናንን ንገሮ።
  • ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ተወሳኺ ርክብ ክትፍትን የብልካን።
  • ኩሉ ናይ ምድጓን ፍጻመታት ዕለትን ሰዓትን ምዝገባ።
  • ህያባትን ስእልታትን ኣቐምጥ።
  • ናይ መልእኽትታት ስክሪን ሾት [screenshots] ውሰድ።
  • ንኣዕሩኽትኻ፡ ንጐረባብትኻ ወይ ንኣስራሕቲ ምሕባር።

ሓገዝ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ሓደጋ ወይ ፍሉይ ስግኣት እንተሃልዩ ፖሊስ ክሕግዝ እዩ (117)።

እዞም ዝስዕቡ ቦታታት ብነጻ ምኽርን ደገፍን ይህቡ፤

  • ርክብ ነጥቢ ኣንጻር ዘቤታዊ ዓመጽ, 062 550 20 20, www.ahg-aargau.ch


ምክልኻልን መንበሪን፤

  • ኣብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ Aargau-Solothurn፡ ቆልዑ ዘለወን ይኹን ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ሓለዋ፡ ምኽርን መንበሪን ይረኽባ። 24 ሰዓታት ብስልኪ (062 823 86 00) ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ZwüscheHalt, 056 552 08 70 (Zürich), www.zwueschehalt.ch
    ኣብ ዙሪኽ [Zürich]፡ በርንን ሉሰርንን ዝርከብ ZwüscheHalt ንደቂ ተባዕትዮ ብዓመጽ ዝተሃስዩ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ቆልዑ ወይ ብዘይ ቆልዑ መንበሪን ምኽርን ይህብ። ገንዘባዊ ኣበርክቶ የድሊ።