ፍሉያት ቀረባት
ወጻእተኛታት ኣብ ስዊስ: ምስ ደቂ ስዊስን ሕብረተሰብ ስዊስን ንክነብሩን ርክብ ንክገብሩን ዝሕግዝዎም ማእለያ ዘይብሎም ፍሉያት ቀረባት ኣለዉ። ገለ ካብእቶም: ቀጻሊ ዝርርብ: ኣብ ትርፊ ግዜ ዝወሃቡ ቀረባት: ኣስተምህሮን ስልጠናን እዮም። እቲ መወከሲ ማእከል ናይ ካንቶን ኣርጋው (Anlaufstelle Integration Aargau, AIA) ወይ እቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ብዛዕባ እዞም ቀረባት ሓበሬታ ይዝርግሑ። ብዙሓት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢታት: ሓደስቲ ነበርቲ ንምቕባል ውራይ ይገብሩ: እዚ ከእ ሓደ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ፈላሚ ጦብላሕታ ንምግባር ይሕግዝ።