ናይ ተሽከርከርቲ ሕግታት
ሕግታት ተሽከርከርቲ ኣብ ስዊስ ንመራሕቲ መካይን ኣዝዩ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ሕጊ ኢዩ። ነዚ ምስዘይትትግብር ዝግበር መቕጻዕቲ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዝማድ: ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ዓቢ ጉድለት ወይ ምጥሓስ ሕጊ ምምራሕ ተሽከርከርቲ ምስዝፍጸም ግን: እቲ መምርሒ ፍቓድ ብትራፊክ ክትሕደግ ይከኣል።
ገለ ኣገደስቲ ሕግታት:
- ዝለዓለ ናህሪኣብ ውሽጢ ከተማ ወይ መንበሪ ገዛውቲ: 50 ክሎሜተር ኣብ ሰዓት: ኣብ ደገ : 80ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት: ኣብ ኣውራ ጎደና/ ዓቢ ጽርግያ: 120 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት
- ኣብ ኣውራ ጎደና/ ዓቢ ጽርግያ:ብየማን ምሕላፍ/ምቕዳም ክልኩል ኢዩ።
- መብራህቲ መኪና ዋላ ብመዓልቲ ክበርህ ኣለ
- ኩሎም ሰባት ኣብ መኪ ተሳሮም ዘለዉ: ብቁልፊ ክእሰሩ ኣለዎም።
- ቆልዑት ኣብ ናይ ቆልዑት ኮፍመበሊ ኮፍ ክብሉ ይግባእ( ክሳብ 12 ዓመት ዕድኦም ወይ 150 ሴንቲ ሜተር ቁመቶም።
- እንዳዘወርካ ተለፎን ብናይ እዝኒ መስምዒ ጥራይ ምዝራብ ይፍቀድ።
- ኣልኮል ወይ ሓሺሽ ወሲድካ ምዝዋር የቕጽዕ (Promillegrenze 0.5)
- ብእግሪ ተጎዓዝቲ ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ( ኣብ መሰጋገሪ ኣጋር) ኣለዎም: ኣብ ሰማፈሮ/መብራህቲ ዘለዎ ግን ብሕጊ ምልክታት ይቕየድ።