ንትረኽቦም ኣገልግሎታት ዝለእእኽ ቢል/ መኽፈሊ ሕሳብ: ከም ልሙድ ብሕጊ ብመኽፈሊ ወረቐት ብፖስታ ይለእኹ። ነዚኦም ንምኽፋል ሰለስተ ትኽእሎታት ኣለዉ።
- ኢ ባንኪን: ኣዝዩ ዝውቱር ብኢንተርነት ዝኽፈልን ርጉጽ/ውሑስ ኢዩ።
- ኣብ መኽፈሊ ቦታ ናይ ፖስት: እዚ ብመኽፈሊ ወረቐት ገሩ ሰብ ኣብ ፖስት ቤትጽሕፈት ብጥረ ገንዘብ ይኸፍል። ናይ ፖስታ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዘለዎ ሰብ: ክፍሊት ብቐጥታ ካብ ናይ ፖስታ ባንኪ ሕሳቡ ክኸፍል ይኽእል። ናይ ባንኪ ዓማዊል ዝኾኑ ሰባት: ዝኽፈል ሕሳቦም ኣብ መኽፈሊ ቦታ ናይቲ ባንኪ ክትግብርዎ ይከእል።
- ብፖስታ: ናይ ምኽፋል ውዕል ብ ደብዳቤ ኣብቲ ባንኪ ወረቐት ብምልኣኽ ክትግበር ይከኣል። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ እቲ ባንኪ ወይ ፖስት ይሕብር። ናይ ኣክፋፍላ ኣገባብ: እንደገና ንዝተመልሱ ናይ ክፍሊት ወረቐት/ ቢል ባንኪ ወይ ፖስት ይሕብር።
- ናይ መጨረሽታ ጽሑፍ ኣገባብ ውዕል (LSV) ኣዝዩ ምቹእ ኣገባብ ኣከፋፍላ ብቐጥታ ካን ናይ ባንኪ ሕሳብ: ኣቲ ቢል ከምዝኽፈል ዝገብር ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ እቲ ዝኽፈል ወይ ባንኪ/ፖስታ ይሕብር።
- እቲ ዝኽፈል ዋጋ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት እንተኮይኑ: ንኣብነት ክራይ ገዛ: ኣብ ባንኪ ወይ ፖስት ሓደ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ውዕል ክፍሊት (Dauerauftrag) ንምስግጋር/ምኽፋል ይግበር።
ናይ ክፍሊት ወረቐት /ቢል : ኩሉ ግዜ ዝኽፈለሉ ግዜ ዝተወስነ ኢዩ።ኣብዚ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ሕሳብ ምስዘይክፈል: ሓደ ናይ ዕዳ መዝገብ ኣብ ጸሊም ሊስታ: ክግበር ይከእል።